ኣስታት 1000 ስደተኛታት፡ ንመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ብምስንጣቕ፡ ናብ ብሪጣንያ ምእታዎም ይግለጽ ኣሎ። እዞም ስደተኛታት ካብ ንፋስን ማዕበልን ናጻ ዝኾነ ማያት እንግሊዝ ተበሊጾም እዮም ናብ ገማግም ብሪጣንያ በጺሖም ዘለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ዶባት ብሪጣንያ ምስ በጽሓ እተን ጀላቡ ብኣርባዕተ መራኽብ ሓለዋ ዶብ ከም እተታሕዛን ናብ ዶቨር ክስነያ ከም እተገብረን ተፈሊጡ’ሎ።
ሰለስተ ናይ መድሕን ጃኬት ጥቓ ካላይ ኣብ ባሕሪ ከንሳፍፍ ዝረኸቡ ሰብመዚ ፈረንሳ እዞም ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ሓደ ምንጪ Whitehall ፈረንሳ፡ ኣብዚ ጒዳይ ዝነበራ ቊጽጽር ብምልሕልሓ ወቒስዋ ኣሎ።
ንሕስያ ዘይብሎም ጒጅለ መሰጋገርቲ፡ መታን ክኸስቡ፡ እዞም ስደተኛታት በዚ ሓደገኛ መትረብ ክሰግሩ ክግበር ኣይነበሮን ክብል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብወገን መትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም፡ 23 ሽሕ ሰባት ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ምስጋሮምን እዚ ምስ 2020 ዝነበረ ኣሃዝ ማለት 8404 እንክወዳደር ኣዝዩ ልዑል ቊጽሪ ምዃኑን እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።