ጠበቓታት ናይቲ መስራቲ ዊኪሊክስ ዝኾነ፡ ጁልያን ኣሳንጀ፡ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተዋህበ፡ ንኣሳንጀ፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ምርካብ ብይን ኣመልኪቶም ናብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ይግባይ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ጠበቓታት ንላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብሪጣንያ ይግባይ ከም ዝበሉ ከኣ ናይ ኣሳንጀ ሕጽይቲ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡ ፡
ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ይግባይ ዝሰምዕ ላዕለዋይ ቤት- ፍርዲ፡ ብምኽንያት ኣእምሮኣዊ ኩነታት ጥዕንኡ፡ ንኣሳንጀ፡ ካብ `ታ ሃገር ምስጓግ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ክብል ወሲኑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ናይ መጀመርታ ቤት ፍርዲ ውን፡ ብሰንኪ እዚ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ፡ ኣሳንጀ፡ ናይ ነብሰ- ቅትለት ሓደጋ ክፍጽም ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ ከምዝነበረ ውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ፡፡
ሕ.መ.ኣ. ዊኪሊክስ ምስ ኩናት ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝተታሓሓዘ ምስጢራዊ- ሰነዳት ኣብ 2010 ኣሕቲሙ ዘርጊሑ ብምባል `ያ ን ኣሳንጀ ትኸስስ ዘላ፡ ፡