ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ምሕላፍ “ሻምፕዮን ኣውሮጳ” ሽወደን ን ኣዘርባይዣን 5 ብ 0
ረቲዓታ።
እንተኾነ ግና ጋዜጣታት፥ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ደቂተባዕትዮ ሸወደን ያን ኣንደርሾን፥ ምስ ኮሜንታተር ስፖርት ኣብ ዝገበሮ
ቃለመሕትት ኣዝዩ ምሕራቑ ኣመልኪተን ብዙሕ ብምጽብጻበን፡ ነቲ ዓወት ዘየድሊ ጽላሎት ከም ዘዕለበሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።
ኣብቲ ብቐጥታ ብተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣየኖት ተጻወትቲ እዮም ተመሪጾም ኢሉ ዝጀመረ ክትዕ ዝያዳ እናረሰነ
ከይዱ ናብ ዘየድሊ ደረጃ ክዓርግ ተራእዩ። እቲ ኮሜንታተር “ስለምንታይ ብሕቶይ ክንድዚ ትቚጣዕ” ኢሉ ነቲ ኣሰልጣኒ ምስ ሓተቶ
“ሓሙሽተ ብባዶ እኳ ኢና ስዒርና፡ ስለምንታይ ኢኻ ትቚዝም ዘሎኻ” ክብል ዓጽዩዎ።
እቲ ኣሰልጣኒ በዚ ተግባሩ ብብዙሓት ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ብርቱዕ ነቐፌታ ወሪድዎ’ሎ። በዚ ድማ ትማል ሰሉስ ቐትሪ
“ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን” ኣብ ዝጸውዖ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣንደርሾን “ነዛ ጋንታ ንሸውዓተ ዓመታት ክመርሓ እኳ እንተጸናሕኩ
ከም ናይ ትማሊ ኣዝዩ ሕማቕ ተግባር ፈጺመ ኣይፈልጥን እየ። በዚ ምሉእ ሓላፍነት ንምውሳድ ድሉው እየ” ክብል ይቕረታ
ሓቲቱ’ሎ።