ናይ ባንክ ሰራሕተኛ ዝነበረ ሽወደናዊ ን14 ሰባት ኣደናጊሩ 35 ሚልዮን ክሩነር ካብ ኣካውንቶም
ብምስራቑ ን4 ዓመታት ኪእሰር ተፈሪዱዎ። ንሱ ኣብቲ ባንክ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ እናሰርሐ ነቶም ሃንደበት ብዙሕ ገንዘብ ዝመጾምን ኪወጋግኑዎ ዘይክእሉን፡ ወይ ኣብ ስድራቤት ናይ ሞት ኩነት ዘጋጠሞምን ወይ ድማ ካልእ ጸገማት ዝነበሮም መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ዝኾኑ እዩ ሰሪቑዎም።
ንሱ ነቲ ገበኑ ኪእመን ከሎ፡ ነቲ ገንዘብ ዝሰረቖ ምኽንያት፡ ቁማር ብምፍታዉ ምዃኑ ገሊጹ። ካብ ፍርቂ ናይቲ ዝሰረቆ ናብቲ ባንክ ተመሊሱ ኣሎ፡ 17 ሚልዮን ግን ጠፊኡ፡ እቲ ቤትፍርዲ ነቲ ገበነኛ 15 ሚልዮን ን ስዊድን ባንክ ኪኽሕሳ ፈሪዱዎ ኣሎ።