ኣብ ናርክፒንግ ከምኡ’ውን ሊንኮፒን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ድሕሪ ዝተኻየደ ናዕቢ ኣርባዕተ ሰብኡት ኣብ ትሕቲ-ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ከቢድ እገዳን ናዕቢን ከም ዝፈጸሙ ብ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ መርትዖ ብኣኽባር ሕጊ ቀሪብሎም ኣሎ። ምስ ምቕጻል መርመራ ፖሊስ ኣብ ናርኮፒን፡ ማልም፡ ኡረቦን ሪንከቢን ዝያዳ ማእሰርቲታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።