ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣየርላንድ፡ ቤልጅም፡ ኔዘርላንድስን ቼክ ሪፐብሊክን 43 ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ካብ ሃገረን ክወጽኡ ኣዚዘን።
እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖላንድን ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ዝወሰዳኦ ስጕምቲ እዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቤልጅም ሶፊ ዊልሜስ፡ እቲ ምስጓግ፡ “ምስ ድሕነት ሃገርና ዝተሓሓዝ’ዩ፡” ክትብል ንኣባላት ባይቶ ሃገራ ተዛሪባ።
ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ኤምባስን ኣብ ኣንትዋርፕ ኣብ ዝርከብ ቆንስልን ሩስያ ዝሰርሑ 23 ኣባላት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተነግሮም ሓቢራ።
እቲ ስጉምቲ ምስ ጐረቤት ሃገር ኔዘርላንድስ ብምውህሃድ ዝተወስደ ምዃኑ ከኣ ገሊጻ።
BBC TIGRINJA