ከም ግብረመልሲ ናይቲ ትማሊ ሓሙስ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ዒራቕ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰልፊ፥ ዒራቕ ኣብ ባግዳድ
ዝርከብ ኣምባሳደር ሽወደን ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ’ላ። ብዘይካዚ ዒራቕ ኣብ ሽወደ ንዝርከብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት (ቻርጅ-
ዲፌ) ናብ ዓዳ ጸዊዓ’ላ። ብተወሳኺ ሽወደናዊ ኩባንያ ኤሪክሰን ኣብ መሬት ዒራቕ ንኽሰርሕ ተዋሂብዎ ዝነበረ ፍቓድ ከም
ዝሰሓቡ ቻነል ዜና ኣል-ዓረብያ ሓቢሩ። ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ሰልፊ ክካይድ ምፍቃዱ፡ እዚ ድማ ቅዋም ሽወደን ዝፈቕዶ ምዃኑ
ኣፈኛኡ ገሊጹ። ዒራቕ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲኣ ዝካየድ ቁርኣን ዘቃጽል ተቓውሞ እንተድኣ ቀጺሉ፡ ምስ
ሽወደን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክትቋረጽ ምዃና ኣጠንቂቓ ኔራ እያ። ኣብ ባቕዳድ–ዒራቕ– ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን
ብሓደ ለይቲ ዝተወረረ ኮይኑ፡ መንግስታት ዒራቕን ሽወደንን ነዚ ተግባር ከም ዝዂንንዎ ገሊጾም ኣለዉ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት
ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ባግዳድ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ብጎነጽ ኣትዮም ብሓቂ ምቅጻሎም፥ እንተኾነ ግና
ኩሎም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ምንም ጒድኣት ከም ዘይወረዶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ።
መንግስቲ ሽወደን ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ሰበስልጣን ዒራቕ ነቲ ኤምባሲ ክከላኸሉሉ ብዘይምኽኣሎም ኮኒኑ’ሎ።