Källa BBC TIGRINJA
ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣላባማ ላውደርዳል ካውንቲ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዓርቢ ንጉሆ ዝተሰወሩ ሓደ እሱርን ከም ዝተሓባበረቶ ዝተጠርጠረት ዋርድያን “ፍሉይ ርክብ” ከም ዝነበሮም መርመርቲ ገሊጾም።
ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣላባማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብቕትለት ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝነበረ ካሴይ ዋይት ምስ’ታ ሓላፊት እሱራት ዝነበረት ኣባል ፖሊስ ርክብ ከም ዝነበሮ ካብ መተኣስርቱ ከም ዘረጋገጸ ሓቢሩ።
ፖሊስ ነቲ ወዲ 38 ዓመትን ንጓል 56 ዓመት ቪኪ ዋይትን ንምርካብ ኣብ ኣለሻ ተዋፊሩ ኣሎ።
ንሳቶም፡ ካሴይ ገምጋም ጥዕና ኣእምሮ ክግበረሉ ትወስዶ ኣብ ዝነበረት እዋን እዮም ተሰዊሮም።
ርክብ ክልቲኦም ፍቕራዊ ብዛዕባ ምንባሩ ግና ፖሊስ ኣየነጸረን።