ክሳብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 580 ዩክሬናውያን ቆልዑ ብዘይ ወለዶም ናብ ሽወደን ምእታዎም፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣሃዝ ኣመልኪቱ።
ዝበዝሑ ካብዞም ቆልዑ፡ ምስ ኣሞኦም ኣባሓጎኦም ወይ ካልእ ዝፈልጥዎ እኹል ሰብ እዮም መጺኦም። 200 ካብዞም ዩክሬናውያን ቆልዑ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 7 ክሳብ 14 ክኾኑ እንከለዉ፡ 30 ካብዚኣቶም ከኣ ትሕቲ 6 ዝዕድሜኦም እዮም። ካብ ዜና ዩክሬይን ከይወጻእና፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደንን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ዩክሬይን ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኲናት ንምምርማር ይተሓባበራ ምህላወን ተገሊጹ።
ኣብ ዩክሬይን ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኲናት ንምስናድ ዝግበር ዘሎ መርመራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ይካየድ ምህላዉ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ዘ ሄግ ዝርከብ ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት እውን መርመራ የካይድ ምህላዉ ወሲኻ ገሊጻ። ገበን ብመንን ኣበይን ተፈጺሙ ብዘየገድስ ሰብመዚ ሽወደን መርመራ ከካይዱ ሕጊ ሽወደን ከም ዝፈቅድ ዝፍለጥ እዩ።