ካብ ቱርኪ ናብ ደሴታት ግሪኽን መሬት ኣውሮጳን ዝግበር ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዙ ብናህሪ ክውስኽ ከም እተራእየን እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ቱርክን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ተኣትዩ ዝነበረ ስምምዕ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱን እዩ ተባሂሉ። ብመሰረት ጸብጻባት UNHCR ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ሳምንታት ጥራይ 8103 ስደተኛፋት ካብ ቱርክ ተበጊሶም ናብ ደሴታት ግሪኽ ኣትዮም ኣለዉ።
እዘን ደሴታት ክሳብ ሕጂ 24 ሽሕ ዝኾኑ ሓለዋ ዝሓተቱ ስደተኛታት ከም ዘለዉወንን ካብ ግሪኽ ንቱርክ ዝግበር ምስጓጒ ስደተኛታት ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና ክብክ ፊትዝ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ወርሓ መጋቢት 2016 ኣብ መንጐ ቱርኪን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ስምምዕ ስደተኛታት ዝተባህለ ውዕል ምኽታሙ ዝዝከር ኮይኑ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ንዝደልዩ ስደተኛታት ክትመልስን ግዴታ ከም ዘሰከማ ይፍለጥ።