ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ቱርካውያን ዝተፈጸመ ቅትለት ብትሪ ኰኒናቶ። ኣብዚ ሰሜናዊ ዒራቕ 13 ቱርካውያን ብዕጡቓት ኩርዲ ከም ዝተቐትሉ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። “ኣመሪካ ነዚ ኣብ ልዕሊ ቱርካውያን ዜጋታት ወሪዱ ዘሎ ሞት ኣጥቢቕ እያ ትዂንኖ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ብ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። “ምስ ናይ ኔቶ መሻርኽትና ዝኾነት ቱርኪ ብምዃን ንቤተሰብ ግዳያት ሓዘንና ክንገልጽ ንፎቱ” ድማ ኢሉ። ሚኒስተር ምክልኻል ቱርኪ ሑሉስኪ ኣካር ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቶም ቱርካውያን ብ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲ PKK ከም እተጨውዩን ከም እተቐትሉን ገሊጹ’ሎ። ሬሳ መወትቲ ኣብ ዞባ ጋራ ጥቓ ዶብ ቱርኪን ዒራቕን ብ ሓይልታት ቱርኪ ድሕሪ ዝተኻየደን 48 ዕጡቓት ዝቐተለን ስርሒት ከም እተረኽበን ድማ ኣብሪሁ። PKK ኣባላት ስለያ ፖሊስን ወተሃደራውያን ሰብመዚን ዝርከቦም ምሩኻት ሒዙ ምንባሩን እዞም ሰባት ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ተዂሲ ልውውጥ ከም ዝሞቱን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝዘርግሖ ዜና የመልክት። ቱርኪ፥ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ን PKK ከም ሓደ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ከም ዝፈልጣኦ ዝመልክተ እቲ ሓበሬታ እዚ ጒጅለ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምጅማሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ ኢሉ።