ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር እንተኾይና፡ ኣመሪካ ናይ ደገፍ መረጋገጺ ክትህባ ምዃና፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ
ገሊጻ። ሊንድ ትማል ሓሙስ፡ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንምርኻብ፡ ኣብ ዋሺንተን ምንባራ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። “ብሓፈሻ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ብዛዕባ ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኣመልኪቱ እወታዊ ርእይቶ እዩ ዘሎ፡ ነዚ’ውን
ዝተፈላለየ ደገፍ ንምግባር ድልውነት ከም ዘሎ ተረዲኣ ኣለና ” ኢላ’ላ ሊንድ።