ኣብ መክሲኮ ተዓቚቦም ኣብ ምጽባይ ዝነበሩ ዓሰርተታት ሓተትቲ ዕቚባ ቀስ ብቐስ ናብ ኣመሪካ ከእቱ ምዃኑ ምምሕዳር ባይደን ገሊጹ።
ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ነቶም ንጡፍ ሕቶ ዘለዎም 25 ሽሕ ስደተኛታት ጒዳዮም ኣብ ምምስራሕ ከም ዝርከብ ድማ ገሊጹ።
እዞም ሓተትቲ ዕቚባ ፈለማ ምምዝጋብን ካብ ኮቪድ 19 ናጻ ምዃኖምን ምርግጋጽ ከም ዘድልዮም ድማ ተገሊጹ።
እዚ ተበግሶ ነቲ ብ ፕረሲደንት ነበር ዶናልድ ትርምፕ ዝተወስደን ብዙሕ ነቐፌታ ዝዘነቦን ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ዝቕይር እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ዘ ማይግራንት ፕሮቴክሽን ፕሮቶኮልስ ዝተባህለ ፕሮግራም ኣብ 2019 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኮይኑ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝእግድ ውዕል ምንባሩ ይፍለጥ። ብ ደቡባዊ ወገን ኣመሪካ ማለት መክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ሓተትቲ ዕቚባ ጒዳዮም ብ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ክሳብ ዝረአ ኣብ መክሲኮ ክጽበዩ ክጸንሑ ዝሓትት እዩ።
ኣብ ፈለማ መዓልቲ ምርካብ ፕረዚደንትነቱ ጆ ባይደን ነዚ ፖሊሲ ከደኣክሎ ምውሳኑ ዝፍለጥ እዩ።