ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዝዛረብ፡ ምዕራባዊ ክፋል ሃገረ ካሜሩን፡ ዝርከቡ ውሑዳት ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ጎነጽ ተዋፊሮም ብዝብል ክሲ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ቪዛ እገዳ ምንባራ ተገሊጹ።
እዚ እናኾነ፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ካሜሩን ብዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ከም እተሻቐለ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ጎነጽ ብምውፋር ሰላምን ምርግጋእን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዘርጒ ዘለዉ ባእታታት ብትሪ ንዂንን ኢና ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ እውን ደው ክብል ጸዊዑ’ሎ። ብሊንከን፡ ብዛዕባ እዞም እገዳ ዝተጻዓነሎም ሰባት ብዝምልከት፡ ኣስማቶም ይኹን ቊጽሮም ኣይረቚሐን። መንግስቲ ካሜሩንን ዕጡቓት ተነጸልቲ ሓይልታትን ነዚ ጎነጽ ደው ኣቢሎም ጒዳዮም ብሰላም ንምፍታሕ ክላዘቡ ብሊንከን ጸዊዑ’ሎ።
ኣብቲ እንግሊዝኛ ዝዝረበሉ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ክፋል ሃገረ ካሜሩን፡ ካብ 2017 ኣትሒዙ ካብቲ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝዕብለል ዝተረፈ ክፋል እታ ሃገር ንምግንጻል ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ግጭት 3500 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 700 ሽሕ ድማ ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ክልቲኣቶም ወገናት ነንሕድሕዶም ብገበን ኲናት ከም ዝካሰሱ ምንጭታት ይሕብሩ።