ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ከም ዘይወጸ፡ ቤት ጽሕፈት ጒዳይት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጽእ ምዃኑ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቃል ኣትዮም ምጽንሖም ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኔድ ፕራይስ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
“ሕጂ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ መሬት ትግራይ ክወጽእ ጻውዒትና ነቕርብ ኣሎና። ምኽንያቱ ሰላምን ጸጥታን ክነግስ፡ ረድኤት ናብቶም ብዂናት ዝተሃስዩ ንክባጻሕ እንተኾይኑ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ክካየድ ኣለዎ” ድማ ኢሉ።