ብዓርቢ: ኣስታት 2000 ሰባት ካብቲ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ዶብ ደል ሪዮ (መክሲኮ) ክግዕዙ ከም እተገብረ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ (DHS) ኣፍሊጡ።
እዚ ንሰባት ናብ ዝተፈላለየ መደበራት ናይ ምግዕዓዝ መስርሕ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ግቡእ ክንክን እናተገብረሎም ብመሰረት ሕጊና ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉሉ ኣገባብ ውሑስ ንምግባር እዩ” ክብል እቲ ክፍሊ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዝቕጽል 24 ሰዓታት ነዚ ኲነታት ንምትግባር ናብ ሃይቲን ካልእ ቦታታትን ምግዕዓዝ ከም ዝቕጽልን ነቶም መብዛሕትኦም ካብ ሃይቲ ዝኾኑን ኣብ መንጎ ደል ሪዮ (ኣመሪካ)ን ስዩዳድ ኣኩና (መክሲኮን) ዝርከብ ድልድል ዘጽለሉ ስደተኛታት ከአንግድ ምዃኑ ን ተገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ድልድል: ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት ኣጽሊሎም ምህላዎም: ከንቲባ ደል ሪዮ: ብሩኖ ላዛኖ: ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
እተን ጒዕዞ ዝጀመሩለን ሃገራት: ክቕበላኦም ኣብ ምእማን ከም ዝሰርሕ እቲ ክፍሊ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
እዚ እናኾነ: ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዘምርሑ ዝነበሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት: ኣብ ደቡባዊ መክሲኮ: ከተማ ታፓቹላ: ዘድሊ ሰነዳት ክመጾም ኣብ ምጽባይ ምህላዎም ተፈሊጡ። ገንዘቦም ዝወድኡን ዝረብረቡን ስደተኛታት: ተታሒዞም ናብቲ ዝመጹሉ ጓቴማላ ካብ ዝምለሱ ብምባል ብዶብ መክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ከም ዝፍትኑ ግምታት ኣሎ ተባሂሉ።