ኣመሪካ: ሽግር ኢትዮጵያ: ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ተስፋ ከም እትገብር ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ገሊጹ።
ንሱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበርን: ኦሊሰጒን ኦባሳንጆ: ከምኡውን ዞባዊ ልኡኽ ኣመሪካ: ጀፍሪ ፌልትማን: ከም እተራኸበን ድሕሪ ምግላጽ “ኦባሳንጆ ዝገብሮ ዘሎ ኣገዳሲ ጻዕርታት ኣብ ግምት ብምእታው: እዚ ጒዳይ: ኣብ ዝሓሽ መንገዲ ክኣቱ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎና” ኢሉ።
ብዘይካዚ: ብሊንከን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ከም እተዘራረበን ብዘይቅድመ ኲነት ተጻብኦታት ብዛዕባ ደው ዝብለሉ ኣገባብ ከም ዝዘተዩን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ካብ ክልቲኣቶም ወገናት ዝወጹ ዘለዉ ቃላት: ሓደገኛታት ምዃኖምን ኮማዊ ግርጭታት ንኽባልሑን ይገብሩ ኣለዉ ክብል እውን ወቒሱ።
ተዂሲ ደው ንምባል ዝግበር ዘተ: በዚ ኲናት ብፍላይ ኣዝዮም ንዝተሃስዩን ረድኤት ንዘድልዮንም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምብጻሕ: ኣድላዪ መስርሕ እዩ ክብል ኣስሚሩሉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ኦሮሞን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር–ኣዲስ ኣበባ– ኣብ ዝግስግሱሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ ክዓጥቁን ከተማኦም ክሕልዉን ጻውዒት ከም ዘሕለፈ ዝዝከር እዩ።