ኣመሪካ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ኣብ ምድላው ንዝርከብ ሰራዊት ልፍንቲ ውሑስ ንምግባር፡ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምውፋራ ተገሊጹ።
እዘን ገዚፍ ናይ ምድብዳብ ዓቕሚ ዘለወን ናይ ውግእ ነፈርቲ፡ ኲሎም ኣባላት ሰራዊትን ጠቕላላ ኣባላት እቲ ልኡኽን ኣብ ዝገብርዎ ምዝላቕ ውሑስ ንምግባር እየን ክዋፈራ ተባሂሉ’ሎ። ኔቶን ኣመሪካን ኣብ ኣፍጋኒስታን ንልዕሊ 20 ዓመታት ሰራዊተን ኣስፊረን ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።
ብመሰረት ፕረዚደንት፡ ጆ ባይደን፡ እዚ ሰራዊት ዘዝልቐሉ ናይ ግዜ ገደብ 11 መስከረም እዩ ክብል ሓቢሩ። እዚ ማለት፡ ልክዕ ኣብ መበል 20 ዓመት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ኒውዮርክን ዋሺንተንን እዩ ክኸውን ማለት እዩ።
እዚ እናኾነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን፡ ጉጅለ ጣሊባን ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከይፍኑ ብምስጋእ፡ ኣብ ዓብዪ ተጠንቀቕ ምህላዎምን ጎነጽ ሰፊኑ ምህላዉን ተገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሎም ጒጅለ ጣሊባን ኣህጒራዊ ሰራዊት ሸቶ ካብ ምግባር ዝኣስሮም ውዕል ከም ዘይህሉ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።