ኢሳቕ ሮኪ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ናይ ራፕ ሙዚቃ ተጻዋታይ ኣብ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝተኸስተ ኣምባጓሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትይ ተባሂሉ። ድሕርዚ ፍጻመ ድማ ብዙሓት ሙዚቀኛታት ራፕ ደገፎም ኣብ ምግላጽን ክፍታሕ ኣብ ምሕታትን ይርከቡ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ቤት ፍርዲ ሮክ ኣብዚ እምባጓሮ ኢድ ኣለዎ ዝብል ጠርጠራ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ጉዳዩ ክሳብ ዝረአ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ምውሳኑ ተፈሊጡ። እንተነውሐ ክሳብ 19 ሓምለ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ጠበቓኡ ሮክ ኣብዚ ኣምባጓሮ ነብሱ ንምክልኻል እዩ ዝኣተወ ክብል ቃሉ ሂቡ’ሎ።