ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ዘተ ውዕል ኑክሌር ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቪዬና ኦስትርያ ክቕጽል እዩ ተባሂሉ።
ኣብዚ ዘተ፡ ኣመሪካ ናብቲ ኣብ 2015 ዝኣተወቶ ውዕል ክትምለስን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተጻዕነ እገዳ ኸኣ ክለዓልን ዝብሉ ጒዳያት ብሰብመዚ ክለዓሉ ከም ዝኽእሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ውዕል 2015 ድሕሪ ምስሓቡ፡ ኢራን እውን ኣብቲ ውዕል ዘለዉ ወሰንቲ ሕጊታት ብምጥሓሳ ኣብ ልዕሌኣ እገዳ ተጻዒኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኢራን ነዞም ውሳነታት እንድሕር ንምቕልባስ ተሰማሚዓ ነቶም እገዳታት ከልዕሎም ድሌት ከም ዘለዎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና ኢራን ኣብ ልዕሊኣ ተጻዒኖም ዘለዉ እገዳታት ብፈለማ ክለዓሉ ከም ቅድመ ኲነት ኣቕሪባ’ላ።
ኢራን ኣብ ምብልጻግ ዩራንዬም ኣዝያ ነዊሕ ጒዕዞ ከይዳ ምህላዋን ምናልባት ኑክሌራዊ ቦምብ ክትሰርሕ ከም እትኽእልን ብምምልካት፡ እዚ ናይ ሰላም ውዕል ብዝቐልጠፈ ክካየድ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራባውያን ሃገራት ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ኢራን ብወገና እዚ ናይ ኑክሌር ፕሮግራም ንሰላማዊ ንጥፈት ከም ዝውዕል ደጋጊማ ኣስሚራትሉ’ላ።