ሃገራውያን ጋንታታት ኣልጀርያ ን ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያን ኣብ መጨረሻ ደቂቅ ብዘመዝገበትታ ሸቶት 2 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ሰጊራ። ኣብ መበል 40 ደቂቅ ሪያድ ማህረዝ ካብ የማናይ ሸነኽ ናብ ልዳት ናይጀርያ ዝለኣኻ ኲዕሶ፡ ተኻላኻላይ ናይጀርያ ኢኮንግ ብጌጋ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብምእታው ኣልጀርያ ሓደ ብ ባዶ መሪሐ ንዕረፍቲ ኣምሪሐን።
ድሕሪ ዕረፍቲ ብ ቫር ተሓጊዛ ኣብ መበል 69 ደቂቅ ተኻላኻላይ ኣልጀርያ ኣይሳ ማንዲ ኣብ ክሊ ፍጹም ቅላዕ ኲዕሶ ብኢዱ ብምትንካፉ ናይጀርያ ፍጹም ቅላዕ ረኺቦም ኢጋሎ ቀሊዑ ብምምዝጋብ ማዕረ ሓደ ብ ሓደ ብሙኻን ብዝሒ ሸትኡ ናይ 4 ክብ ብምባል ኣብ ምምራሕ ይርከብ።
ምዱብ 90 ደቂቅ ተዛዚሙ ኣብ ዝተዋህበ 6 ተወሳኺ ደቃይቅ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ከምርሓ እየን እናተባህለ ኣብ መበል 95 ደቂቅ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ግጥም ሪያድ ማህረዝ ነታ ዝረኸብዋ ነጻ ቅላዕ ናብ ሸቶ ብምቕያሩ ሃገሩ ኣልጀርያ ናይ 2 ብ 1 ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ፍጻመ ዘሊላ።
በዚ መሰረት ኣልጀሪያ ዓርቢ 19 ሓምለ ምስ ን ሃገራዊት ጋንታ ቱንዚያ ዝሰዓርት ሰኔጋልን ናይ ፍጻመ ግጥመን ከካይዳ እየን። ከምኡውን ሮቡዕ 17 ሓምለ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዝተሳዕራ ናይጀርያን ቱኒዝያን ናይ ደረጃ ግጥማተን ከካይዳ እየን።