መንግስቲ፡ ንምትእኽኻብ ሰባት ብዝምልከት ዘመሓላለፎ መምርሒ መሰረት ብምግባር፡ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ንገደብ ብዝሒ ውሱን ምትእኽኻባት ናብ 500 ክብ ንኽብል እማመ ከምዘቕረበ ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ።
ኣብቲ ዝቐረበ እማመ፡ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ክሕሎ ከምዘለዎ ዝሕብር መምርሒ ከምዘሎ ቲግኒል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ መጨረሽታ ጸብጻባት ሽወደን ከምዝሕብርዎ፡ 83,898 ሰባት ብኮሮና ዝተለኽፉ፡ 5820 ሰባት ብኮሮና ዝሞቱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ኤውሮፓ ድማ 2 ሚልዮን ዝተለኽፉን 181 ሽሕ ድማ ዝሞቱ እዮም። ብዓለም ደረጃ ድማ ኣስታት 24 ሚልዮን ዝተለኽፉን 820 ሽሕ ድማ ዝሞቱ እዮም።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትርከበን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት እቲ ለበዳ ከም እንደገና ይምዕብል ምህላዉ ዘሰክፍ እዩ ዝበለ ቲግኒል፡ ኣብ ሽወደን፡ ነንዊሕ እዋን ልዑል ዝኾነ ወሰኽ መልከፍቲ ከምዘይተራእየ ኣዘኻኺሩ።