ኣብ ኢንዶኔዥ፡ያ ሓድሽ ማዕበል ኮሮና ክለዓል እዩ ዝብል መጠንቀቕታታ ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ጽዒንዎ ዝነበረ እገዳታት ከም ዝፎኽሱ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብዛ ብለበዳ ኮሮና ዝተሃስየት ሃገር፡ ናእሽቱ ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ክኽፈቱ ተጌሮም ኣለዉ። ጃካርታ ካብ ማህሰይቲ እዚ ሕማም ቀልጢፋ ክትሓዊ ተስፋ እገብር። መነባብሮና ካብዘን ትካላት እዩ ክብል ሓደ ወናኒ ቤት መግቢ ን AFP ሓቢሩ። ገለ መምርሒታት ገና ክቕጽሉ ምዃኖም ተገሊጹ’ሎ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ኣብ ክንዲ ጥዕና ዜጋታቱ፡ ንቚጠባ እታ ሃገር ቀዳምነት ብምሃቡ ብብርቱዕ ክንቀፍ ምቕናዩ ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 1566 ሰባት ብምሟቶም ዝለዓለ መጠነ ሞት ምምዝጋቡን WHO ኣብታ ሃገር ጽንዕ ዝበለ መምርሒታት ክትግበር ጻውዒት ምግባሩን ዝዝከር እዩ።