ኢንዶኔዥያ፡ ንኣገባብ ናይቲ ምብራስ ኣግራብ፡ ኣብ 2030 ደው ንኽብል ዝተኣትወ ኣህጒራዊ ውዕል፡ ድሕሪ ምንቃፍ፡ በዚ ውዕል ከም ዘይትቕየድ ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ኣከባቢ እታ ሃገር፡ ሲቲ ኑርባያ ባክር፡ “ንዘይንገብሮ ቃል ከም ንኣቱ” ክገብሩና ኣይነፍቅድን ኢና ኢላ።
ኢንዶኔዥያ፡ ኣብ 2030 ገረብ ካብ ምቚራጽ ደው ከተብል ምግባር ምሕሳብ ዘይግቡእን ዘይፍትሓዊን እዩ ክትብል፡ እታ ሚኒስተር፡ ወቒሳ።
ብሰኑይ ኣብ ኣኼባ COP26፡ ዝጸደቐ ውዕል፡ ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብ 2030 ምብራስ ኣግራብ ደው ከብላ ምስምምዐን ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ፡ ነዚ ውዕል እኳ እንተኸተመ፡ ቀዳምነታት ኢንዶኔዥያ፡ ልምዓት እዩ ብምባል ነቲ ስምምዕ ውዱቕ ጌርዎ ኣሎ።