ኩነታት ናይተን ኣብ ምስናዕን ህንጻን ዝነጥፋ ኢንዱስትርያዊ ኩባንያታት ሽወደን፡ ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ንፈለማ እዋን ምምሕያሽ የርኢ ምህላዉ ጸብጻባት ሃገራዊ ትካል ኢኮኖምያዊ መጽናዕታት ሓቢሩ።
ናይ መሸጣ ክሳራታት ኣሎና ዝብላ ኩባንያታት ካብቲ ኣብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝነበረ ብዝሒ ምውሓዱ ሓደ ካብ ምልክታት እዩ ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሸውዓተ ካብ ዓሰርተ ኣብ ምስናዕ ዝነጥፋ ኢንዱስትርያዊ ኩባንያታት፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኣታዊታተን ከምዝኸሰራ ሓቢረን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ሓሙሸተ ካብ ዓሰርተ ናይ ምስናዕ ኩባንያታት ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣመሓላሊፈን ይርከባ።
ብተመሳሳሊ፡ እተን ኣብ ህንጻ ዝነጥፋ ኢንዱስትርያዊ ኩባንያታት ዘመዝግበኦ ዝነበራ ክሳራታት፡ ካብ 60% ናብ 30% ከም ዝወረደ ጸብጻባት ይሕብሩ።
በንጻሩ ድማ፡ ናይ ንግዲ፡ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘመዝግበኦ ዝነበራ ክሳራታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝለዓለ ክሳራታት የመዝግባ ከምዘለዋ ምሕባረን ጸብጻብ’ቲ ትካል ይገልጽ።