ኢንዱስትሪ ፊልም ጀርመን ኣብ ከባብያዊ ብከላ ዝጸንሖ ኣሉታዊ ጽልዋ ብምጒዳል ኣብ ምዕቃብ ጥዕና ኣከባቢ ግደኡ ክጻወት ምዃኑ ተገሊጹ። ኢንዱስትሪ ፊልም ጀርመን ሓንቲ ፊልም ንምስራሕ ብነዳዲ ዲዘል ዝዓያ ጀነሬተራት ከምኡውን ደርዘናት ዝኾና ብ ነዳዲ ንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ እዩ ዝጥቀም። ክሳብ 5000 ዝኸውን ዝጎሓፍ ናይ ፕላስቲክ ታኒካታት እውን ተወሳኺ ጠንቂ ምብልሻው ኣከባቢ ከም ዝኾነ እቲ ኢንዱስትሪ ኣለልዩ፡ሎ።
ሓምላይ ሰኣልቲ ዝተባህለ ሓደ ጒጅለ እዚ ኢንዱስትሪ ምስ ኤጀንሲታት ምወላ ፊልም መንግስታት ፈደራል ከምኡውን ቦርድ ፊልም ፈደራል ጀርምን ብመሰረት ዝበጽሖ ስምምዓት ሓንቲ ፊልም ተሰሪሓ ክሳብ ትውዳእ ክትፍጽሞ ዝግባእ ከባብያዊ ረቛሒታት ቐሚጡሎ።
“ጒዳይ ኣከባቢ ከም ዓሌት ወዲሰብ ክንቅጽል ዲና ኣይንቕጽልን ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ባህሊን መራኸቢ ብዙሃንን ከምኡውን ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ዝኮነት ክላውዲያ ሮዝ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻይደ ልዝብ ገሊጻ’ላ። ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና ንጀርመን ብኸም ባህርያዊ ሓደጋታት ኣቢሉ ቀጥታዊ ጽልዋ የሕድረላ ምህላዉ እታ ሚኒስተር ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
ካብ ዝቕጽል ዓመት ኣትሒዙ እዚ ረቛሒታት ኣከባቢ ኣብ ኲሉ ስርሓት ፊልም ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ኣመልኪታ ድማ “እዚ ዓብዪ ዓወት እዩ’ ምባላ ዶቸ ቨለ ሓቢራ።