ኣብ ምድንፋዕ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሽወደን፥ ሰራሕተኛታት ናይ ምቚጻር ብድሆ ኣጋጢምዎ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ
ኲባንያታትን ንኡሳን ኮንትራክተራትን፥ መሃንድሳትን ኦፐሬተራትን ይድለዩ ምህላወን ተፈሊጡ። እዚ ኢንዱስትሪ ኣስታት 1000
ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር ይደሊ’ሎ፥ ክብል ውድብ ንግድ SOFF ገሊጹ’ሎ። እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ምህንድስናን ናይ
ምግጥጣምን ስራሕ ዝዋፈሩ እዮም። ናይ ኣየርን ምድሪን መከላኸኢ ኣጽዋር ዘፍሪ እዚ ኢንዱስትሪ ምክልኻልን ድሕነትን፥ ኣብ
ዝሓለፈ ዓመት ናይ 51 ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ከም ዝረኸበ፥ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ ኣታዊኡ ኸኣ 30 ሚልዮን
ምንባሩን፥ ብፍጥነት ዝዓቢ ዘሎ ጽላት ምዃኑን ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ፍጡን ዕቤት ዘላቕነት ንኽህልዎ፥ ዘድልዮ ዓቕሚ
ሰብ ምምላእ ከድልዮ እዩ።
"እቲ ቀንዲ ገጢሙና ዘሎ ጸገም፥ ክኢላዊ ዓቕሚ ምርካብ እዩ" ክብል ሓላፊ ንኡስ ኮንትራክተር “ፓርትነርቴክ ካርልስኮጋ”
ኣንደርሽ ብሎምግረን፥ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ዓሰርተ ዝዓበያ ኲባንያታት እዚ ጽላት፥ 3000 ሰራሕተኛታት እቲ ምምሕዳር
ከተማ ከም ዝቖጽራ፥ ተወሰኽቲ ሓደ ሽሕ ስራሕ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ክፍጠር ምዃኑ፥ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።