እዚ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓልመዚ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።
ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቃለስን ንመንግስቲ ሶማል ዝሕግዝን ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ምህላዋ፡ ጀነራል ዊልያም፡ ምስ BBC ኣብ ዝገብሮ ጻንሒት ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ፡ ብዘለዋ ሽግራት ተደሪኻ እዚ ሰራዊት ካብቲ ቦታ ክወጽእ እንድሕሪ ጌራ፡ ኣልሸባብ ካብ ሶማል እናተበገሰ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት መጥቃዕቲ ንኸካይድ ዝሰፍሐ መንጠፊ ቦታ ይረክብ ኣሎ ማለት እዩ” ኢሉ።
ሰራዊት ትግራይን ኦሮሞን፡ ንኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ ድማ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ንዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ከውጽእ ድሉው ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ኢትዮጵያ፡ ናብ ዲቕ ዝበለ ዘይምርግጋእ ኣብ እትኣትወሉ እዋን፡ ዓብዪ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ብ ግብጺ ክጥቃዕ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት እውን ኣንቢሩ’ሎ።