ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖም ኣለዉ ክብል ሓደ በዓል መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)ኣፍሊጡ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቱ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ልዕሊ 33 ሽሕ ህጻናት ብዓጸቦ ይሳቐዩ ኣለዉ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ፡ 1.8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ገምገም ጥሜት ከም ዝርከቡ ዝገለጸ እቲ ኣኼባ፡ ዋላኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቊራጽ ተዂሲ ኣዊጀ ኣለኹ እንተበለ፡ ኲናት ክቕጽል ከም ዝኽእል ተመልኪቱ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ኲሎም ሓይልታት ካብ ትግራይ ክሳብ ዝወጹ፡ መጥቃዕቲ ከም ዘየቋረጽ ገሊጹ’ሎ።
ብዓርቢ ኣሽሓት ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብማእከል ከተማ መቐለ እናሓለፉን ህዝቢ ድማ ብዓወት ሰራዊት ትግራይ ሓጎሱ እናገለጸ ዘርኢ ስእልታት ብምርኣይ፡ New York Times ብሰፊሑ ጸብጺብዎ’ሎ።
ኣብ ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲቱ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ እንርኢ፡ እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዘኣተወ ይግለጽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ፈለማ መቐለ ካብ ሕጂ ንደሓር ማእከል ስሕበት ምዃና ስለ ዘብቅዐ ስግኣትና ክትከውን ኣይትኽእልን እያ እኳ እንተበለ፡ ጸኒሑ ግና ካብ መቐለ ዝወጻሉ ምኽንያት ተወሳኺ ክሳራ ከይወርዶ ብምባል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ኲናት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምቕይያራት ከም እተኸስተ ኢና ንርኢ ዘለና” ክብል ኣብ International Crisis Group ነባር ተንታኒ ፖለቲካ፡ ዊል ደቪድሰን፡ ገሊጹ’ሎ። ካብዚ ኲነታት እንርድኦ ነገር እንተሎ ሰራዊት ፈደራል ብሰራዊት ትግራይ ብዝወረዶ ስዕረት ካብ መቐለ ብሓይሊ ተገዲዱ ምውጽኡ እዩ ድማ ኢሉ። ድሕሪ’ዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በይናዊ ቶኽሲ ናይ ምቊራጽ ውሳነ ከም ዝወሰደ እኳ እንተኣወጀ፡ ሓይልታት ትግራይ ተወሳኺ መሬት ትግራይ ሓራ ዘውጽኣሉ ኲናት ይገብር ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብዚ ኲናት ዓሰርተታ ኣሽሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም እተቐትሉ እዩ ሰራዊት ትግራይ ዝገልጽ ዘሎ። ብመሰረት ዳይረክተር World Peace Foundation of Boston፡ ኣሌክስ ደ ዋል፡ 7 ክፍለ ሰራዊታት ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ኣሎ ክብል ሓቢሩ። እዚ ድማ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓብዪ ውድቀት ሞራል ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብዚ ኲናት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ጨቢጡ ኣሎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣተኲሮኡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጌሩ ምህላዉ ሓቢሩ። ምዕራብ ትግራይ ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሓይልታት ኣምሓራ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።