ኢትዮጵያን ሩስያን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ከም እተሰማምዓ ንመንግስታዊ መደብር ዜና ኢትዮጵያ ፋና ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺቡ። እዚ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዝጸንሐ ርክባት ዘደልድል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ኢትዮጵያ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ እያ ኔራ። እንተኾነ ግና ድሕርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ኲናት፡ ኣመሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣትሒዛ ነታ ሃገር እትህቦ ዝጸንሐት ሓገዛት ምድስካላ እቲ ጽብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሩስያን ቻይናን ዘለዋ ዝምድና ኣብ ምህላጽ ትርከብ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፡ እዘን ክልተ ሓያላን ሃገራት ነቲ ኣመሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣንጻር ኢትዮጵያ ከተሕልፎ ወጢናቶ ዝነበረት ውሳነታት ከም ዝዓገታ ዘኪሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩስያን ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ንዓቕሚ ምክልኻል ኢትዮጵያ ከደንፍዕ እዩ ክብል ፋና ጠቒሱ’ሎ።