“ኮይኑ ግና እዚ ክሳኻዕ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ እታ ሮኬት በቲ ዝድለን ዝኣክልን ናህሪ ናብ ላዕሊ ክትከይድ ብዘይምኽኣላ እዩ” ክብል ወሃብ ቃል ናይ ኢራን ሚኒስተር ምክልኻል ንናይ መንግስቲ ዜና ማዕከን ኣብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ሓሙስ ሮኬት ናይ ምውንጫፍ ፈተነ ዝግበር ዘሎ፡ ብርክት ዝበላ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ኑክሌሳዊ ስምምዓት ብዝምልከት እንደገና ክስረተሉ ኣብ ዝኽእል መስርሕ ይዳራደራ ኣብዘለዋሉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ፈረንሳ እዚ ናይ ምውንጫፍ ፈተነ ሕግታት ሕቡራት መንግስታት ዝጥሕስ እዩ ክትብል ከላ፡ ኢራን ብወገና ነዚ ክሲ ነጺጋቶ ከምዘላ ተፈሊጡ’ሎ።