ኣብ 2015: ኣብ መንጐ ኢራንን ሽዱሽተ ሃገራትን ንዝተኸተመ ውዕል ኑክሌር ንምብርባር ዝዓለመ ዘተ: ኣብዚ ወርሒ ክበራበር እዩ ተባሂሉ።
መንግስቲ ኢራን: ኣብ 29 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ቪዬና ክራኸብ ድሉው ምህላዉ ዋና ተዛታዪ: ዓሊ ባቐሪ ካኒ: ገሊጹ’ሎ። ኣኽራሪ መርገጺ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢራን ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ ዕለት ኣትሒዙ: እዞም ዘተ ደው ኢሎም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕ: ኣመሪካ ካብዚ ውዕል ኣዝሊቓ እኳ እንተጸንሐት: ድሕሪ ምምጻእ ጆ ባይደን: ዋሺንተን ነቲ ዘተ ክትጽንበሮ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ ንኣመሪካ ሓዊስካ: እተን ሽዱሽተ ከተምቲ ውዕል ዝኾና ሃገራት ብሪጣንያ: ሩስያ: ቻይና: ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ኣኼባ ቪዬና ክሳተፋ እየን ተባሂሉ’ሎ።
ቓኒ ብወገኑ: ኢራን: ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተጻዕነ ኢሰብኣውን ዘይሕጋውን እገዳ ንኽለዓል: ኣብ 29 ሕዳር ኣብ ዝጋባእ ኣኼባ ክትሳተፍ እያ ክብል ዝለኣኾ መልእኽቲ ትዊተር ሓቢሩ’ሎ።
ኢራን ኣብዚ ጒዳይ ልባዊ ተሳትፎ እንድሕሪ ትገብር ኮይና እዚ ውዕል ብዝቐልጠፈ ክትግበር ይኽእል እዩ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኔድ ፕራይስ: ገሊጹ’ሎ።