ኢራን፡ ዝበልጸገ ዩራንዬም ከም ዘፍረየት ንዓለምለኸ ምክትታል ኑክሌር ኣፍሊጣ።
ቴህራን፡ ንወኪል ኣህጒራዊ ኣቶማዊ ጸዓት፡ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ መስርሕ ጸዓት መርመራ ሪኣክተር ንምምጋብ ዝውዕል እዩ ኢላ’ላ። እንተኾነ ግን፡ ዩራንዬም ሕመረት ኑክሌራዊ ቦምብ ንምስራሕ እውን ከም ዝውዕል እዩ ዝግለጽ።
ተግባራት ኢራን፡ ንውዕል ኑክሌር ዘፍርስን ነቲ ዘተ ከይበራበር ዝዕንቅፍን እዩ ክብላ ኣውሮጳውያን ሓይልታት ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣመሪካ ድማ “ንድሕሪት ዝመልስ ዘሕዝን ተግባር” እዩ ኢላቶ’ላ። ብመሰረት እቲ ኢራን ኣብ 2015 ዝኸተመቶ ሓባራዊ ኣጠቓላሊ ውጥን ትግባረ ዝተባህለ ውዕል ኑክሌራዊ ፕሮግራማ ክትእግድ ምስምማዓ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ውዕል፡ ኢራን፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይትውንን ዝድንግግ ምንባሩ ይዝከር።
ድሕሪ’ዚ፡ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ ሩስያን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ከም እተሰማምዓ ይፍለጥ።