ኢራን፡ ንናዛኒን ራትክሊፍ እትገብረላ ዘላ ኣተሓሕዛ፡ ካብ ምስቓይ ኣይፍለን እዩ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ዶሚኒክ ራብ፡ ገሊጹ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ጽንክር ዝበለ ቃላት ክጥቀም፡ ፋልማዩ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስተር ራብ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ቴህራን ንናዛሪን፡ ዳግማይ ድሕሪ ምእሳራ፡ ኣብ ናይ ድሙን ኣንጭዋን ዲፕሎማስያዊ ዕንክሊል ኣትያ ምህላዋ ገሊጹ። ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ናዛሪን ወሪዱ ዘሎ ማእሰርቲ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል እውን ንኢራን ወቒሱ።
ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ምስ ቢቢሲ ቃለመጠይቕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓልመዚ ኣብ መንግስታዊ ተሌቪዥን ኢራን ብምቕራብ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ናዛሪን ክትፍታሕ ናይ 400 ሚልዮን ፓውንድ በጃ ክትከፍል እኳ እንተገለጸ፡ ቤት ጽሕፈት ጒዳያት ወጻኢ ግን መርገጺኡ ከም ዘይቀየረ ኣፍሊጡ’ሎ። በዓልቤት ናዛኒን ሪቻርድ ራትክሊፍ ስድራቤቱ ብዛዕባዚ ጒዳይ ዝኾነ ደሃይ ከም ዘይብሎም እንተኾነ ነዚ ኢራን ኣቕሪባቶ ዘላ ሓሳብ “ጽቡቕ ምልክት እዩ” ክብል ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ’ሎ። “ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዘይኮነስ ኣብ ማእከል ዝርርብ ምህላውና እዩ ነብሰይ ዝነግረኒ ዘሎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ጓል 42 ዓመት ብሪጣንያዊ ዜግነት ዘለዋ ኢራናዊት፡ ካብ ዓመተ 2016፡ ንደሓር ብመንግስቲ ኢራን ከም እተኣስረት ዝፍለጥ እዩ።