ኢራናውያን: ሓደ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎ ሕጽይ ዝርከቦም: ኣርባዕተ ተወዳደርቲ: ንፕረሲደንትነት: ይመርጹ ኣለዉ። ኣብዚ ምርጫ ዝተዓወተ ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዘገልገለ ሓሰን ሩሓኒ ክትክኦ እዩ።
ገለ ፖለቲካውያን ጸገንቲን ተቓወምቲን ንዂሉ ኣየሳትፍን እዩ ብዝብል ክሲ እዚ ምርጫ ክእገድ ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ። ኢራናውያን ብቚጠባዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘማርሩሉ ዘለዉ እዋን እዩ እዚ ምርጫ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ ገለ ምርጫ እተናውሓለን ከባቢታት ገዲፍካ ኣብ መብዛሕትኡ ነቚጣታት ምርጫ ከም እተዓጽወ ከኣ እዩ ዝንገር ዘሎ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኾመይኒ ብዓርቢ ናይ ምርጫ ካርዱ ከእቱ ከም እተራእየ ዝሓበረ ዜና ቢቢሲ ዜጋታት ናብ ነቚጣ ምርጫ ከይዶም ክወርጹ ኣተባቢዒ ኣሎ።
“ነፍሲ ወከፍ ካርድ ምርጫ ኣገዳሲት እያ፥ ንዑ ንመን ከም እትመርጹ ኣርእዩ፥ እዚ ንመጻኢ እዛ ሃገር ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ’ሎ።
እዚ ይዂንምበር ድሕርቲ ብኣመሪካ ን ሰልስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተጻዕነ እገዳ ኣብ መንጐ መረጽቲ ዘይምርድዳእ ተኸሲቱ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
“ይምረጽ ኣይምረጽ ዘምጽኦ ለውጢ የለን፥ ምኽንያቱ መን ከም ዝምረጽ ኣቐዲሙ ዝተወድአ እዩ፥ እዚ ምርጫ ንሃልኪ ሚድያ እዮም ዘካይድዎ ዘለዉ” ክብል ሓደ ወናኒ ድኳን ን AFP ሓቢሩ። ካልእ መምህር ጽርበት ዕንጸይቲ ብወገኑ “ፍቱው መራሒና ኾመይኑ ምረጹ ካብ በለና ክመርጽ ድሉው እየ” ክብል ገሊጹ’ሎ።