ኣርባዕተ ኢራናውያን ዜጋታት፡ ንሓንቲ ኣብ ኒውዮርክ እትሰርሕ ጋዜጠኛ ንምጭዋይ ምፍታኖም፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ገሊጹ።
እቲ ክሲ ነታ ግዳይ መጭወይቲ ክትከውን እተሓስበት ሰብ እኳ፡ ብስም እንተዘይጠቐሰ፡ ኢራን ዝመበቈላ፡ ማሲሕ ዓሊነጃድ፡ ዝተባህለት ሰብ ግን ኣታ ክትጭወ ዝተሓስበት፡ ኣነ እየ ክትብል ሓቢራ’ላ።
እዞም ኣብ ውዲት ጭውያ እተዋፈሩ ሰባት፡ ኣብ ብሪጣንያን ካንዳን ንዝርከቡ ሰባት እውን ሓባቢሎም ናብ ኢራን ክመልስዎም ምፍታኖም ጸብጻብ ክፍሊ ፍትሒ ኣመልኪቱ። እዞም ክጭወዩ ዝተደልዩ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኢራን ብምንቃፍ፡ ዝተፈልጡ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።
ብፍላይ ነዛ ኣብ ኒውዮርክ እትሰርሕ ኢራናዊት ጋዜጠኛ፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ድሕሪ ምስጋር ናብ ኢራን ንምጭዋይ ዝተዋደደ ፕሮግራም ምንባሩ ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ክፍሊ ኣረዲኦም። ነታ ጋዜጠኛ ስርሐይ ኢሎም ዝስልዩ ሞያተኛታት ሰለይቲ ካብ ምቚጻር ጀሚርካ ክሳብ ሃይ ሪዞሉሽን ቀጥታዊ ካሜራታት ኣብ ቤታ ምትካል ዝኣመሰሉ ስርሒታት ኣካዪዶም ክብሉ፡ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ክሶም ኣስፊሮም ኣለዉ።