ትማሊ ሰዓት 7፡00 ድ.ቐ.፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግራንቢፓርከን፡ ኡፕሳላ፡ ብጥይት ተሃሪሙ ናብ ሕክምና ብእምቡላንስ ከም ዝተወስደ ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብ ከባቢ ግራንቢፓርከን፡ ቶኽሲ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ቶብያስ ኦህለን፡ ሓቢሩ።
ኩነታት ናይቲ ዝተሃርመ ሰብ ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ የለን። ኣብቲ ከባቢ፡ ፖሊስ፡ ብመካይንን ብሄሊኮፕተርን ከምተረኽቡን ነቲ ከባቢ ሓጺሮም ክሳብ ሰዓት 9:00 ድ.ቐ. ከምዝነበሩን ዝኾነ ሰብ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘየእተዉ ተፈሊጡ።
ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ንጉዳይ’ቲ ፍጻሜ ንምጽራይ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ኦህለን ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ መሰኻኽር፡ ድምጺ ቶኽሲ ናይ ጠያይት ከምዝሰምዑ ገሊጾም። ክልተ ብረት ዝሓዙ ሰባት ብፖሊስ ክህደኑ ከምተራእዩ፡ ካብ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ፡ ኣፍቶንብላደት ከምዘቃልሐ ተፈሊጡ ኣሎ።
ፖሊስ፡ ነቲ ኩነታት ብፈተነ ቅትለት ክብል ከምዝገለጾ ጸብጻባት ሓቢሮም።