ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰ፡ ኣብቲ ጥሙር ናይ ሰለስተ ሕዳጣን ሰልፊታት መንግስቱ ብሚኒስተርነት
ዘገልግሉ ሰባት ረቚሑ’ሎ። ንሱ ን ባይቶ እታ ሃገር መግለጺ ፖሊሲ መንግስቲ ድሕሪ ምንባብ እዩ ነዚ ሽመት ዓዲሉ ዘሎ።
ብመሰረት እዚ ዕደላ ፖለቲከኛታት ሞደራትና ዝኾኑ ኤልሳቤጥ ስቫንቴሰን ን ቶቢያስ ቢልስትሮምን ብተኸታታሊ ሚኒስተራት
ፋይናንስን ጒዳያት ወጻኢን፡ መራሒ ሰልፊ ሊበራል ዮሃን ፐርሾን ሚኒስተር ምውህሃድን ዕዳጋ ሽቕለትን፡ መራሒት ክርስትያናዊ
ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ ሚኒስተር ጸዓት ቢዝነስን ኢንዱስትሪን፡ ከምኡ’ውን ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይኖም ተሸይሞም
ኣለዉ።
ብጠቕላላ ሞደራትና 13 ፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ 6 ሊበራላውያን ከኣ 5 ናይ ሚኒስተርነት ሽመት ተዋሂቦም ኣለዉ–
ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።