ዋጋታት ዝብልዑ ኣትክልቲን ዘርኢ እዞም ኣትክልቲን ኣብ 2022 ኣዝዮም ምውሳኾም ካብ ማእከላት ጀራዲን ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። በዚ ድማ፡ እትበልዖ ባዕልኻ ምፍራይ ኣብ ስድራቤታት ሽወደን ልማድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
“ወነንቲ ጀራዲን መግቦም ባዕሎም ክኽእሉ ዕላማ ጌሮም ዝንቀሳቐሱሉ ንጹር ኣዝማምያ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ መሸጣ ዘርኢ ዝብልዑ ኣትክልቲ፡ ክሳብ 51% ወሲኾም ኣለዉ” ክብል– ኣብ ሃግላንድ ኣካያዲ ዳይረክተር፡ ኦዪንድ ክሮን ንጋዜጣ ኔሽነን ገሊጹ’ሎ።
መሸጣ ኣዝርእቲ ውሽጢ ሃገር እውን፡ ብ 10% ወሲኹ’ሎ። ነቲ መግቢኻ-ባዕልኻ-ኣፍሪ ዝብል ኣዝማምያ ዝሕግዙ ኲሎም ኣዝርእቲ ዝብልዑ መግቢታት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኣዝዮም ምውሳኾም ክሮን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ሓደ ኣብ ክልተ ኖርዌጃውያን፡ ዝብልዑ ኣትክልቲ ከም ዘፍሪን፡ እዚ ተርእዮ ድማ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉን፡ ብ ፕላንትስየን ዝወጸ ዳህሳስ የመልክት።