ባንክታት ኖርወይ ብመንጽር ዕግበት ዓማዊል ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ምውራዱ ተገሊጹ። ዝተሓተ ደረጃ ዘመዝገባ ሰለስተ ዓበይቲ
ባንክታት ኖርወይ፡ ዲኤንቢ፡ ኖርድያን ዳንስከ ባንክን እየን። ልዑል መጠን ወለድ፡ ባንክታት ኣብ ልቓሕ ብቕልጡፍ መጠን ወለድ
ዝውስኻ ኮይነን ኣብ ዕቋር ሕሳብ ግን ከምኡ ዘይገብራ ምዃነን፡ እዚ እናኾነ ግና መኽሰብ ባንክታት እናዓበየ ምኻዱ ኣብ
ዓማዊል ቊጥዐን ዘይጋበትን ፈጢሩ’ሎ። ብዘይካዚ ብጒዳይ ክፍሊት፡ ምዕጻው ጨናፍር ባንክታትን ድኹም ኣገልግሎትን ዓማዊል
ሕጉሳት ኣይኮኑን።
EPSI ምስ 6000 ንግዳውን ውልቃውን ዓማዊል ቃለመሕትት ብምክያድ ዕግበት ዓማዊል ባንክታት ክዕቅን ፈቲኑ ኔሩ።
ውልቃዊ ዕዳጋ ዕግበት ዓማዊል ካብ 100 ነጥቢ ናብ 67.7 ጥራይ ወሪዱ’ሎ። እዚ ድማ ካብ 2004 ጀሚሩ ዝወሓደ ደረጃ
እዩ።
ብውልቃዊ ደረጃ ቡልደር ባንክ ዝለዓለ ደረጃ ብምሓዝ 79.2 ነጥቢ ክትረክብ እንከላ፡ ንኖርድያ 64.4፡ ንዲኤንቢ 61.5፡
ንዳንስከ ባንክ ድማ 57.7 ነጥቢ ኣመዝጊባ’ላ። ኣፈኛ ዲኤንቢ፡ እቲ ባንክ ብውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ዕጉብ ከምዘይኮነን ዝሓሸ
ንኽሰርሕ “ተደሪኹ” ከምዘሎን ገሊጹ። ተጠቀምቲን ሓያሎ ጋዜጣታትን፡ ዘይዕጉባት ዓማዊል ባንክታት ክቕይሩ ክላበዉ ጸኒሖም
ኣለዉ–ብመሰረት ጸብጻብ ኖረይ ቱደይ።