ኖርወይ ኣብ ስለያዊ ንጥፈት ተዋፊርም ንዝበለቶም 15 ሰብ-መዚ ሩስያ ካብ ሃገራ ሰጒጓ። “ሞስኮ ኤምባሲኣ ሕቡእ ሰለያዊ
ንጥፈታት ከተካይደሉ ኣይነፍቅድን ኢና” ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኣኒከን ሁትፈልት፡ ነቲ ምስጓጒ ኣመልኪቱ ኣብ
ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሰብመዚ ኖርወይ፥ ነቶም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ “ተቐባልነት ዘይብሉ ሰብ” ኢሎም ቅድሚ
ምምዳቦም፥ ብዙሕ መርመራ ክገብሩሎም ምጽንሖም ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ሰባት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነታ ሃገር ክለቅዋ
ምዃኖም ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ንንጥፈታቶም ዝምልከት ግና ካብ መንግስቲ ኖርወይ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዘይተዋህበ
ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኖርወይ ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣታ ካብታ 197 ኪሎሜትር ናይ ሓባር ዶብ ዘለዋ ሩስያ ዝመጽእ ምዃኑ
ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፥ ብርክት ዝበሉ ሰብመዚ ሩስያ ካብ
ዝተፈላለያ ሃገራት ከም እተሰጐጒ ዝፍለጥ እዩ። ባይቶ ሩስያ–ክረምሊን– ነዚ ምስጓጒ ኣመልኪቱ፥ ዘድሊ መልሲ ንምሃብ
ኣብ ምቅርራብ ምህላዉ፥ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ “ታስ” ጸብጺቡ’ሎ።