ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኣኒከን ህዩትፈልት ን መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኦዴሳ ኮኒኑ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ዩክሬይንን ሩስያን ኣብ ሰደድ እኽሊ ክካየድ፡ በዚ ኣቢሉ’ውን ብ ሰለስቲአን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ኣቢሉ ዝግበር ሰደድ እኽሊ ክቕጽል ዝድንግግ ስምምዕ ከቲመን ኔረን እየን። እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ሚሳይላት ሩስያ ነቲ ኣብ ወደብ ኦዴሳ ዝነበረ ሰደድ እኽሊ ምጥቅዐን ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ።
ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ህዩትፈልት ን ማዕከን ዜና ኖርወይ NRK ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።
“እዚ ስምምዕ ንነገራት ናብ ዝተፈልየ ኣንፈት ክወስዶም እዩ ዝብል ተስፋ ኣንቢርናሉ ኔርና። እዚ መጥቃዕቲ ምኽሳቱ ኣሻቓሊ እዩ፡ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ክልቲኦም ከተምቲ ንዘሎ ምትእምማን ሃስዩዎ’ሎ” ኢሉ’ሎ–ህዩትፈልት።