ምስ ምልዓል ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣስታት 190 ኖርወጃውያን ብለይቲ፡ ብናይ ብሕቲ ነፋሪት ክራይ ናብ
ዓዶም ክምለሱ ተጌሩ። መንግስቲ ኖርወይ ተወሰኽቲ ዜጋታቱ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ናብ ዓዶም ንምእታው ኣብ ዝገበሮ
ፈተነ፡ ተወሳኺት ጀት ምክራዩ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናስ ጋህር ስቶረ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቱ ክሳብ ሕጂ
ኣብ እስራኤል፡ ጋዛን ምዕራባዊ ገማግምን ክንደይ ኖርወጃውያን ከምዘለዉ ርግጸኛ ከምዘይኮነ፡ እንተኾነ ግን ሓያሎ ኣማኢት
እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣስታት 50 ሰባት ዝሓቖፈ ““ነዚ ቅልውላው ንምፍታሕ
ምሉእ ግዜ ዝሰርሕ”ን ጉጅለ ኣቚሙ ከምዘሎ ዝገለጸ ስቶረ “ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ኖርወጃውያን ናይ መገሻ ኣማራጺታት
ንምርካብ ብንጥፈት ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።
መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ድሕሪ ግርጭት እውን ክፉት ኮይኑ ክቕጽል እኳ እንተኾነ ብዙሓት መንገዲ ኣየራት (ንመንገዲ ኣየር
ኖርወይ ሓዊሱ) ብምኽንያት ሕቶ ውሕስነት ዝበዝሕ በረራታት ሰሪዘንኦ ኣለዋ። እስራኤል ዶባታ ዓጽያ፡ ቀረብ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡
መግብን መድሃኒትን ናብ ጋዛ ብምቚራጻ፥ ካልእ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትጽቢት ከም ዝግበረላ፡ እቲ ሚኒስትሪ ካብ ጋዛ መውጽኢ
ንምህናጽ ምስ ሰበስልጣን ግብጺ “ኣብ ዝርርብ” ከምዘሎን ስቶረ ወሲኹ ገሊጹ።