ምስ እዋን ምጅማር ኲናት ብምውድዳር፡ ኖርዌጃውያን ዩክሬይን ንምሕጋዝ ዝነበሮም ተበግሶ ምንቊልቋሉ ተገሊጹ።
“ዘይምዕዳል ኮይኑ፡ እቲ ፈለማ ዝነበረ ወኒ ሕጂ የንቈልቊል ኣሎ” ክብል ኣካያዲ ፕረስ ኖርዌጅያን ፖስት ኬነ ፒተርሰን ን P4 ኒውዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሚይዝያ፡ ኖርዌጅያን ፖስት ዝኾነ ዜጋ እታ ሃገር ብዘይክፍሊት ናብ ዩክሬይን ሓገዝ ክልእኽ ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ኲባንያታትን ዜጋታትን እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 85 ቶን ሓገዝ ደረቕ መግቢን መድሃኒትን ምልኣኾም ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ልገሳ እናንቈልቈለ ምምጽኡ፡ ኣብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓላፊ ዕድጊ ኒና ላርሰን ኣረጋጊጹ።
“እቲ ኲናት ገና ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ረድኢት ግና እናዘሓለ መጺኡ’ሎ” ክብል ላርሰን ነታ መደበር ዜና ኣረዲኡ። ኖርዌጃውያን ኣብ ውሽጢ ዩክሬይን ንዝንቀሳቐሳ ትካላት ረድኤት፡ ክሳብ 800 ሚልዮን ክሮና ምውጽኦም ኖርወይ ቱደይ ጸብጺቡ’ሎ።