ኣብ ውሽጢ ሩስያ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ብዝምልከት ቀጻሊ ዘይርጉጽነት እኳ እንተሃለወ፡ ምስ ሩስያ ዘራኽቦም
ሰሚናዊ ዶብ ንምዕጻው መደብ ከም ዘይብሎም፥ ሰብመዚ ኖርወይ ኣረጋጊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናስ ጋህር ስቶር ትማሊ
ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሩስያ ዘሎ ኲነታት “ከቢድን ዘይንጹርን እዩ” ክብል ጠቒስዎ’ሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ስቶር ኣኒከን ሁይትፈልድ ብወገና፥ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት “ሓደገኛ”
ምዃኑ ብምሕባር፥ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኖርወጃውያን ክወጹ ኣተሓሳሲባ’ላ። ብመራሒ እዚ ናዕቢ ዝተገብረ ስምምዕ ብዙሕ
ዘተኣማምን ከም ዘይኮነ ህዩትፈልት ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ሰብመዚ ሩስያ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቫግነር ዝኾነ የቭገኒ ፕሪጎዚን፡
ንርእሱን ኣብ ቤላሩስ ንዝርከቡ ወተሃደራቱን ምሕረት እንተተጌሩሎም፡ ኣልዒልዎ ዘሎ ናዕቢ ደው ከብሎ ከም እተሰማምዐ
ገሊጾም ኣለዉ። ስቶረ ኣቐዲሙ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርዲክን ካናዳን ኣብ ኣይስላንድ ንኽካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ
ንምስታፍ ቅድሚ ምብጋሱ፥ ትማሊ ሰንበት ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (ኤን.ኣር.ኬ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ክሳብ ሕጂ
ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉ፥ ዝኾነ ኮይኑ ሕጂ’ውን ኣዝዩ ክንጥንቀቕን ዝምድናና ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነት
(ሩስያ) ክኸውን እዩ ዝግባእ” ኢሉ።
ብ ፕሪጎዝን ዝተበገሰ ናዕቢ ንመሪሕነት ሩስያ “ከቢድ ብድሆ” እኳ እንተኾነ ፡ ሩስያ በቲ ዓርቢ ምሸት ዝጀመረ ናዕቢ ብሓቂ
ተዳኺማ ድያ ንምፍላጥ ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ጉጅለ ቫግነር ብ ወገን ሰሜን ምስ ዩክሬን ነዊሕ ዶብ ካብ ዘለዋ ቤላሩስ እናተበገሰ ንዩክሬን ከጥቅዓ እዩ ዝብል ስግኣት ከም
ዘለዎ፥ ሓደ ሓላፊ ምክልኻል ብሪጣንያ ነበር ትማል ሰንበት ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝተኻየደ ድራማ ምክልኻል
ዩክሬን ንምድኻም ዝተገብረ ተንኮል ድዩ ነይሩ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ’ሎ።
“እቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ድራማ ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና” ዝበለት ሁይትፈልድ፡ ዛጊት ብዛዕባ ዘለዎም ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ
ተቖጢባ’ላ።