ኣብ ኖርወይ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ምንቊልቋል ቊጠባከጋጥም ከም ዝኽእል፡ እንተኾነ ግና እዚ ዝኽሰት ድሕሪ ሓያልዕቤት ብምዃኑ ስምብራቱ ክንድቲ ዘስግእ ከም ዘይከውን፡ ኣብባንክ DNB ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ሸርስቲ ሆግላንድ ገሊጻ።
ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት፡ ኣህጒራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ፍርቂ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምንቊልቋል ቊጠባ ከጋጥምከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ምውጽኡ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣብሲሶ ካብ ቊጠባ ዓለምና ዘጋጥም ዘሎ ምዝሕታል ቊጠባእዩ።
“ኖርወይ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ብዝኽሰት ቊጠባዊ ኲነታትተጸላዊት እያ። ቊጠባ ዓለም እንተሓሚቑ ጽልዋኡ ኣብኖርወይ’ውን ክረአ ባህርያዊ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ኖርወይምዝሕታል ቊጠባ እንተተኸስተ ከየገርመና የብሉን” ክትብልሸርስቲ ን ኣገልግሎት ዜና NTB ሓቢራ’ላ።