ብምኽንያት እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ናይ ወራር ኲናት፡ ኣብ ዝመጽእ ዊንተር ሕጽረት ጎማ መኪና ዊንተር ክኽሰት ከም ዝኽእል፡ ኢንዱስሪ ጎማ ገሊጹ።
ሓደ ሲሶ ካብቲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዕዳጋ ዝውዕል ጎማ ኣብ ሩስያ ዝፈሪ ኮይኑ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተነብረ እገዳ፡ ኖርወይ ኣብታ ሃገር እተፍርዮ ዝነበረት ጎማ ደው ከም ዝብል ምግባራ፡ ጋዜጣ ነታቭሰን ንንባብ ኣብቂዓ’ላ።
“ሩስያ፡ ቀንዲ ኣፍራዪት ናይቲ ሃገራት ሰሜን ዝጥቀማሉ ጎማ ኮይና እያ ጸኒሓ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሩስያ ኣዝዩ ዓብዪ ዕዳጋን ገዚፍ ባህርያዊ ጸጋታት ዘለዋን ሃገር ብምዃና እዩ። ቀረብ እዚ ጎማ፡ ካብ ሩስያ እንተተጌሩ፡ ዝሓሰረ ዋጋ ጎማ ናብ ሃገራት ኖርዲክ ምቕራብ ይከኣል እዩ ብዝብል ድርኺት እዩ፡ እቲ ትካል ኣብ ሩስያ ክህነጽ ተጌሩ ክትብል እታ ጋዜጣ ንኣካያዲ ስራሕ ስታርኮ ኖርግ–ፖል ኡርድ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።
እቶም ቀረብቲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ኢንዱስትሪ ካብታ ሃገር ንምውጻእ፡ ከምኡ’ውን ጎማ ካብ ሃገራት ኤስያ ንምምጻእ፡ ኣብ መስርሕ ምህላዎም ኡርድ ውሲኹ ገሊጹ’ሎ።