ኖርወያውያን፡ ካብ ዕለት 15/07/2020 ጀሚሮም ብዘይ ናይ ውሸባ መስርሕ ናብ ገለ ሃገራት ኤውሮፓ ክገሹ ከምዝኽእሉ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኢርና ሶልቤሪ፡ ሓቢራ። ናብ ኖርወይ ምስ ተመልሱ ናይ ውሸባ መስርሕ ክፍጽሙ ዝግደዱ ግን እቶም ናብ ሽወደንን ጎትላንድን ዝገሹ ምዃኖም ብተወሳኺ ገሊጻ። ኣቐድም ኣቢላ ኖርወይ፡ ናብ ጎትላንድ ብዘይ ናይ ውሸባ መስርሕ ምጋሽ ኣፍቂዳ ከምዝነበረት ይዝከር።
ለበዳ ኮሮና ኣብ ጎትላንድ ከምቲ ኖርወይ ትጠልቦ መምዘኒታት ስለዘየማልእ እቶም ካብ መላእ ሽወደን ዝምለሱ ሰባት ናይ 10 መዓልታት ውሸባ ክፍጽሙ ከምዝግደዱ ሓቢራ።
ኖርወያውያን ናብተን ካብ 100 ሽሕ 20 ሰብ ጥራይ ብኮሮና ዝተለኽፈን ሃገራት ብዘይ ናይ ውሸባ መስርሕ ክገሹ ከምዝኽእሉ ኣፍቂዳ ኣላ።
ሽሕ’ኳ ሰብ መዚ ኖርወይ ናብ ሽወደን ንኸይገሹ መጠንቀቕታ እንተሃቡ፡ እቶም ኣብ ሽወደን ናይ ክረምቲ ኣባይቲ ዘለዎም ኖርወያውያን ክረምታዊ ዕረፍቶም ንኸሕልፉ ናብ ሽወደን ክኸዱ ከምዝሃቀኑ ጋዜጣ Östersunds-Posten ገሊጻ።