በዓል ዋኒንን ኣውፋሪን ቴክኖሎጂን ፍረደሪክ ሃልቮርሰን፡ ካብ ኖርወይ ናብ ስዊትዘርላንድ ምግዓዙ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ጸብጺባ።
ኣቐድም ኣቢሉ’ውን፡ ወናኒ “አኬር” ሸል ኢንግ ሮኪ፡ ናብ ስዊትዘርላንድ ምግዓዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሃልቮርሰን ኣሰር እዚ ቢልየነር
ብምስዓብ ናብ ስዊትዘርላንድ ምእታዉ ጋዜጣ ወሲኻ ኣመልኪታ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልቲኦም ቢልዬነራት ኣብ ኣውራጃ ሉጋኖ
ስዊተርላንድ ይቕመጡ ኣለዉ።
ሃልቮርሰን ኣብ 2020 ጥራይ 5.6 ሚልዮን ክሮና ቀረጽ ዝኸፍል ወናኒ 560 ሚልዮን ክሮና ምንባሩ ጋዜጣ ዳገንስ ኔርንግስሊቭ
ክትገልጽ እንከላ፡ ጋዜጣ ካፒታል ግና ሃብቱ ናብ 1.4 ቢልዮን ክሮና ከም ዝጽጋዕ ግምታ ኣቐሚጣ’ላ። ሃልቮርሰን መስራቲ
ኲባንያ ናይ “ቪድዮ ኮንፈረንሲንግ–ኣካኖ” ኮይኑ ኣብ 2016 ን ኲባንያ ቴክኖሎጂ እንተርነት “ሲስኮ” ብ 6 ቢልዮን ክሮና
ምሻጡ ዝፍለጥ እዩ።
48 ዝዕድሜኡ ሃልቮርሰን ምስ ቢልዬነርን ወናኒ መራኽብን ጆን ፍረደሪክሰን ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣካያዲ ኲባንያ
ወፍሪ “ኡብሮን ፓርትነርስ” ምዃኑ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።