ስቱድዮ ቤት ንምክራይ ብምእከላይ ገምጋም 9,200 ክሮና ከም ዝሓትት ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ዋጋታት ክራይ ኣብ ኦስሎ ሒደት ምጒዳል ምርኣዮም ካብ ኡትላይመገረን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመኪቶም።
ኣብ ወርሓ መጋኢት ዝነበረ ዋጋ ክራይ ሓንቲ ክፍሊ (ስቱድዮ) 9,188 ምንባሩን ካብታ ቅድሜኣ ዝነበረት ወርሒ ናይ 6% ወሰኽ ምርኣዩን ኡትላይመገረን ትማል ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ኣሃዝ ኣመልኪቱ። ብተመሳሳሊ ምስ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምውድዳር ዋጋ ዘይምልዋጡ እቲ ትካል ኣመልኪቱ። ናይ ተመሃሮ ከተማ ምዃነን ዝፍለጣ ትሮንድሃይም 30% ከምኡውን በርገን 13% ዝለዓለ መጠን ምውሳኽ ዋጋ ኣርእየን ኣለዋ። ብኣንጻሩ ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ኦስሎ ብ 4% ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ።